ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ገደም ላሓዜን ፋሕ ኢለን ዝርከባ ዓድታት፡ ኣብ ማእከላይ ቦታ ንኽጥርነፋ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ነበርቲ ባርዳዲማን ኣይሮሪን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብቐረባ ክረኽቡሉ ናብ ዝኽእሉ ቦታ ከም እተጠርነፉ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ኣቶ ዑስማን ዓረፋ ገሊጹ።

ኣቶ ዑስማን፡ ዘይተጠርነፈ ህዝቢ ተጠቃሚ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክኸውን ስለዘይክእል፡ ምጥርናፍ ዓድታት ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ዝስራሓሉ ዘሎ መደብ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዛጊት 244 ስድራ-ቤታት ባርዳዲማን ኣይሮሪን ኣብ ማእከላይ ቦታ ተጠርኒፎም ተጠቀምቲ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምግባሮም ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

እታ ዝተጠርነፈት ዓዲ፡ ድሮ ሽማግለ ብምቛም ከባቢኣ ንምልማዕ ብዝወሰደቶ ተበግሶ፡ ኣግራብ ክትተክል ከምዝጀመረትን፡ ዝተረፋ ዓድታት ነዚ ሰናይ ተግባር ክስዕባኦን ድማ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ – ብፍላይ ኣብ ኡምለን ደናንሎን፡ ኣብ መባእታ ኣተባባዒ ተሳትፎ ተመሃሮ ይረአ ከምዘሎ ድማ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መምህር ረሺድ መሓመድ-ዑስማን ሓቢሩ።

ተመዝጊቡ ዘሎ ዕብየት፡ ውጽኢት ንቕሓት ምዃኑ ዝገለጸ መምህር ረሺድ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኡምለን ደናንሎን ሓደስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ይህነጻ ከምዘለዋ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማእከላይ ቦታ ናይ’ቲ ከባቢ ናይ ማእከላይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ንምህናጽ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብ17ን 18ን ጥሪ ምስ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እዚ ኣብ ተሳትፎ ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ኣብ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ተመዝጊቡ ዘሎ ዕብየት ክዕቀብን፡ ንዝያዳ ብራኸ ክስራሕን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories