ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ፡ ብ21 ጥሪ ኣብ ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ፖሊስ ኤርትራ፡ ምስ ኣዘዝቲ መደበራት፡ ሓለፍቲ መርመራን ምክልኻልን ገበን፡ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣባላት ርክብ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ 2019 ንዝተሰላሰለ ንጥፈታት ፖሊስ፡ ብመንጽር ዝነበሩ ብልጫታትን ድኻማትን ብሰፊሑ ድሕሪ ምግምጋም፡ ነቶም ድኻማትን ሕጽረታትን ንምፍታሕ ጻዕርታት ከምእተኻየደን ይካየድ ከምዘሎን በሪሁ።

ሓለፍቲን ተራ ኣባላትን፡ ብውሁድ ስራሕ፡ ገበንን ሓደጋን ንምክልኻል ብተገዳስነት ክሰርሑ ድማ፡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኮሎኔል መሓሪ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተተግበሩ መደባት – ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ክዉን ክዀኑ ምእንቲ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ብተወፋይነት ክሰርሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣስታት 150 ሓለፍቲ መደበራት ተረኺቦም ነይሮም።

Categories