ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ጸሮና፡ ብምውህሃድ ኣባላት ሚኒስትሪ ጥዕናን ምምሕዳርን ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ኣለዉ።

እቲ ስራሕ፡ ጠንቂ ሕማም ዓሶ – ጣንጡ ክፋረያሉ ዝኽእላ ጐዳጉዲ ምድፋንን ርስሓት ምእላይን፡ ከምኡ’ውን ጽርግያ ምጽጋን የጠቓልል።

ዛጊት ድማ፡ ኣብ ማእከል ሓውሲ ከተማ ጸሮና ዝነበረ ርስሓት ተኣኪቡ ከም እተቓጸለ፡ ናብ ማእከል ጥዕና ጸሮና ዝወስድ ብውሕጅ ዝተበላሸወ ጽርግያ ከም እተጸገነ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ዝተመደበ ስራሕ ክሳብ ዝዛዘም፡ ብዘይተጉላባነት ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

Categories