ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ክፍላተ-ሰራዊት 16ን 70ን፡ “ኣብ ማሕላ ስዉኣትና ጸኒዕና ሓደ ምዃን’ዩ ዕላማና” ብዝብል ቴማ፡ ብ18ን 19ን ጥሪ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዑደት ኣካዪዶም።

እቶም ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ዑደት ዘካየዱ ኣስታት 750 ኣባላት፡ ዲጋ ጋሕቴላይ ኣብ ዝበጽሑሉ – ብዛዕባ’ቲ ዲጋ ብኣካየድቲ ስራሕ መብርሂ ተዋሂቡዎም።

ንሳቶም እውን፡ ኣብ ስራሓት ናይ’ቲ ዲጋ ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት፡ ከብቲ ብምብርካት ኣተባቢዖምዎም።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ክፍላተ-ሰራዊት 16ን 70ን – ተጋዳላይ ዓንደብርሃን ፍስሃየ፡ ዕላማ ዑደቶም፡ መደባት ልምዓት ብኣካል ብምዕዛብ – ኣብ ንጡፍ ስራሕ ንዝርከቡ ኣባላት ንምትብባዕ ምዃኑ ገሊጹ።

መራሒ ስራሕ ህንጻ ዲጋ ጋሕቴላይ ጆሜትራ ዳኒኤል መብራህቱ፡ እቲ ስራሕ ብምትሕብባር ኩባንያ ቀይሕባሕሪ ሓፈሻዊ ህንጸትን ልምዓትን ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻልን ይትግበር ከምዘሎ፡ ምስኡ ዝተሓሓዙ ንኡሳን ፕሮጀክትታት እናተማልኡ ድማ – ኣብ ትስፉው ደረጃ ተበጺሑ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ባጽዕ ማእቶት ድሕሪ ምክያድ ከኣ፡ ኣብ ጥዋለት ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ሰማእታት ዕንባባ ኣንቢሮም።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ፡ ካብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ – ገደም ተበጊሶም፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ዑደት ኣካዪዶም።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ድሕሪ ምምጓስ፡ ተረከብቲ ሃገር መንእሰያት ብውዱብ መልክዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ዑደት ከዘውትሩ ተላብዮም።

Categories