ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ብ18 ጥሪ ዘራእቲ ምምሕዳራት ከባቢ ዙላ፡ ኣፍታን ፎሮን ኣብ ዝተዓዘበሉ – ሓረስቶት ነቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝበጽሐ ኣእካሎም፡ ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ ዕቱብ ምክትታል ክገብሩሉ ኣዘኻኺሩ። ተራ ኣመሓደርቲ ከባብን ሞያውያን ሕርሻን ክዓዝዝ እውን ተላብዩ።

ሓረስቶት ክሳብ መወዳእታ ዝግባእ ጻዕሪ እንተደኣ ገይሮም፡ ፍረ ጻዕሮም ከምዘይስእኑ ዝጠቐሰ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ ሕርሻታት ንኡስ ዞባ ፎሮ ብዘመናዊ ኣገባብ እንተደኣ ተሓሪሱ፡ ኣብ ጃምላዊ እቶት ናይ’ቲ ዞባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሃገር ደረጃ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ኣገንዚቡ።

ሓረስቶት ካብ መንግስቲ ከይተጸበዩ፡ ብዘለዎም ናውቲ ሳላ ዝሓረሱን ሳላ ዝዘርኡን፡ ግራውቶም ኣብ ፍረ ከምዝበጽሐ ጠቒሱ ድማ፡ ዓግማቶምን ጀሪፋቶምን ንምጽጋን ኣብ ዘካየድዎ ስራሓት፡ ምምሕዳር ዞባ ኣድላዪ ምድግጋፍ ከም ዝገብረሎም ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተስፋይ ተወልደ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዙላ፡ ኣፍታን ፎሮን 300 ሄክታር ከምእተሓርሰ፡ ኣብ መጀመርያ ጽቡቕ ማይ ስለዝሰተየ ድማ ኣብ ደረጃ ምውላድን ምሽዋትን በጺሑ ምህላዉ ኣረዲኡ።

እቲ ዝሰፍሐ ዕፉን፡ ዝተረፈ ድማ መሸላ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ተስፋይ፡ ደሓን ዝኾነ እቶት ክርከብ ትጽቢት ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories