ፖሊስ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ብ14 ጥሪ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኩዶ-ኣብዑር ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ካፒተን ጸጋይ ሃይለን ሓላፊ ምክልኻል ገበን ሑሴን ሙርካብን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ተመሃሮ ኣብ ገበናትን በደላትን ዘለዎም ግንዛበ ብምብራኽ፡ ገበን ንኸይፍጸም ምስ ፖሊስ ዘለዎም ምትሕብባር ከዕዝዙ ተላብዮም።

ብሸለልትነት ዝፍጸሙ ገበናትን በደላትን ኣማስያኡ ናብ ዘይተደልየ ሳዕቤናት ከምርሑ ከምዝኽእሉ – ስለዚ ድማ ተመሃሮ ጥንቃቐ ከዘውትሩ ዘዛኻኸሩ እቶም ሓለፍቲ ፖሊስ፡ ንዘጋጥሙ ግርጭታት እውን ብሕጋዊ መንገዲ ክፈትሑ መኺሮም።

Categories