ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ብ18 ጥሪ፡ ብኣቈጻጽራ ባህላዊ ካላንደር ቻይና ንምእታው ሓድሽ ዓመት ዘበስር ‘ፈስቲቫል ጽድያ’ ጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራን ዕዱማት ኣጋይሽን ስ/ ሳ ል ሕ ዓ ብ ደ ል ቃ ድ ር ዝተሳተፍዎን፡ ብሃገራዊ መዛሙር ቻይናን ኤርትራን ዝተኸፍተን ጽምብል፡ ንገስጋስ ምዕባለ ቻይናን ዝተመዝገበ ዓወታትን ዘብርህ ተንቀሳቓሲ ሰእሊ ንምርኢት ቀሪቡ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዓመተ 2019 ንብልጽግናን ዓወትን ቻይና ብዙሕ ዝተሰርሓላ ዓመት ምዃና ብምጥቃስ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተመርኰሰ ሽርክነታዊ ዝምድና ኤርትራን ቻይናን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ብጽቡቕ ይስጉም ከምዘሎ፡ ኣብነታት ኣሰንዩ ሓቢሩ።

ቻይና፡ ኣብ ምትእትታው ፕሮጀክትታት ጸሓያዊ ጸዓት፡ ምህናጽ ጽርግያታትን ኣባይትን ትነጥፍ ከምዘላ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ዚጋንግ፡ ንመጻኢ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምስልሳል ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

Categories