በዓል ጥምቀት፡ ትማሊ 20 ጥሪ ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ መዓርግ ተኸቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ሜዳ ባሕቲ-መስከረም ኣብ ዝርከብ ባሕረ-ጥምቀት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ምእመናን ሊቃውንቲ፡ ውልደክህነት፡ ድያቆናትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ሓላፊ ስብከተ-ወንጌል መምህር ስምኦን በየነ፡ ነቲ በዓል ዝምልከት ዝርዝራዊ ኣስተምህሮ ድሕሪ ምሃብ፡ “ህዝቢ – ብሰላምን ብሓድነትን በዓላቱ ንኽጽምብል ህይወቶም ንዘወፈዩ ሰማእታት ኤርትራ፡ ክብርን ሞጐስን!!” ኢሎም።

ብሕማም ኣብ ቤቶም ንዘለዉን ኣብ ስደትን ኣብ መከራን ንዝርከቡን ኤርትራውያን ድማ ምሕረት ተመንዮም።

ከምኡ’ውን ኣብ ሓለዋ ሃገርን መደባት ልምዓትን ንዝተዋፈሩ – ንኤርትራን ህዝባን ድማ ብሓፈሻኡ – ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

ብድሕሪ’ዚ፡ ሊቃውንቲን ካህናትን ነቲ በዓል ዘንጸባርቕ ብከበሮን ጸናጽልን ዝተሰነየ ሽብሸባ ኣካዪዶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዓቃቢ መንበር ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስን፡ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስን፡ ብካህናት ተሰንዮም ንባሕረጥምቀት ብኣርባዕተ መኣዝን ባሪኾምን ማይ ጥምቀት ንምእመናን ነጺጎምን።

Categories