ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንሓደ ዓመት ብሞያ ኣሰራርሓ መግቢ፡ ንትሸዓተ ኣዋርሕ ድማ ብስፌት ክዳውንቲ ዘሰልጠነን 35 ጽጉማት ደቂ-ኣንስትዮ ኣመሪቑ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓሰብ ኣቶ ተስፋይ ዘርአ፡ ሰልጠንቲ ንዘቕረባኦ ስራሕ ድሕሪ ምምጓስ፡ ዝወሰዳኦ ትምህርቲ ብቐጻሊ ስራሕ ኣማዕቢለን መነባብሮአን ከመሓይሻ ኣዘኻኺሩ።

ግዝያዊ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ዮሴፍ ፍስሃየ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ እውን ተመሳሰልቲ ስልጠናታት ብምውዳብን መበገሲ ዝኸውን ናውቲ ስራሕ ብምዕዳልን፡ መነባብሮን ዓቕሚን ጽጉማት ደቂ-ኣንስትዮ ንምምሕያሽ መደብ ከምዘለዎም ገሊጹ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ብሃማመተኤ ብስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ ዝሰልጠና ሓሙሽተ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መሳርሒ ናውቲ ተዋሂቡወን።

Categories