ማሕበር ሓካይም ኤርትራ፡ መበል 25 ዓመታዊ ዋዕላ ብ18 ጥሪ ኣብ ኣዳራሽ ሆቴል ኣስመራ-ፓላስ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ልዕሊ 200 ሞያውያንን መሻርኽትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ንሃገርናን ዞባናን ኣብ ዝጸልዉ ዝተጸንዑ ሕማማትን ብዛዕብኦም ዝፍለጥ ሓቂታትን መግለጺታት ቀሪቡ።

ፕረዚደንት ማሕበር ሓካይም ኤርትራ ፕሮፌሰር ነጋሲ ለኣከ ኣብ ዝሃቦ መኽፈቲ ቃል፡ ማሕበር ኣብ’ዚ ናይ 25 ዓመታት ዕድመኡ ንዘሰላሰሎ ንጥፈታት ሓፈሻዊ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ዓቕሚ ኣባላት ንምዕባይ – ኣብ ገስጋስ ሞያ ሕክምናን ቴክኖሎጂ ሕክምናን ዘተኰረ ስልጠናታት ምውዳብ፡ ካብ ቀንዲ ንጥፈታቱ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምዕባለ ኣብ ትምህርትን ስልጠናን ስለዝምርኰስ፡ ኤርትራውያን ሓካይም ደረጃ ትምህርቶምን ሞያዊ ኣፍልጦኦምን ከዕብዩ ክጽዕሩ ኣተሓሳሲቡ።

ጸሓፊ ማሕበር ሓካይም ኤርትራ ዶክተር ማሕሙድ መሓመድ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቀንዲ ዕላማ ማሕበር፡ ትምህርታዊ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ፣ ሞያ ሕክምና ምስ ግዜ እናተለወጠን እናማዕበለን ስለዝኸይድ ድማ፡ ተመኵሮ ናይ ምክፋል መድረኽ ንምፍጣር ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ፡ ኣብ ረኽሲ መሃንቱስ፣ ናብ ሞት ዘብጽሕ ናይ ልቢ ጸገማት፣ ብቴክኖሎጂ ዝተሰነየ መመርመሪ ሕማም ዓሶ፣ መጻረዪ ማይን ኣጠቓቕማኡን፣ ዝተፈላለየ ዓይነታት ባክተርያ ብሓደ ግዜ ዝፈሊ መሳርሒ፣ ምዕባለታት ሕክምናዊ ምድንዛዝ፣ ጸገማት ፊስቱላ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሕማም ከርፈስ ኣብ ኤርትራ ዝተገብረ መጽናዕታዊ መግለጺታት ተዋሂቡ።

ኣብ 1994 ዝተመስረተ ማሕበር ሓካይም ኤርትራ፡ ልዕሊ 180 ኣባላት ኣለውዎ።

Categories