ኣብ 2019 ኣብ መላእ ሃገር 29 ዲጋታት ከምእተሰርሓ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብ16ን 17ን ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘቃነዖ ዓመታዊ ገምጋም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዝተዓሙ መደባት – ምስናይ ብልጫታቶምን ሕጽረታቶምን ብዝርዝር ዝቐረቡሉ ገምጋም፡ ምህርቲ ኣእካል ኣብ ዞባ ማእከል ምስ ናይ 2018 ክነጻጸር እንከሎ ብ11 ሚእታዊት፡ ናይ ቅብኣት ኣዝርእቲ ብ121 ሚእታዊት፡ መዓር ድማ ብ45 ሚእታዊት ዕብየት ከርኢ እንከሎ፡ ብኣንጻሩ እቶት ጸባ ብ3 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ እቲ ምኽንያት ድማ ሕጽረት መግቢ እንስሳ ከምዝኾነ በሪሁ።

ኣብ 2019 ብዝነበረ ዝምስገን ዝናብ፡ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ኩንታል ኣእካል ከም እተረኽበ ዝሓበረ ጸብጻብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክነጻጸር ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ፡ እቶት ኣሕምልቲ ግና ከምዝጐደለ ኣነጺሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሊትሮ ጸባ ክፈሪ እንከሎ፡ ምህርቲ መዓር ብ15 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ፡ ፍርያት እንቋቚሖ ግና ብኣንጻሩ ብ21 ሚእታዊ ከምዝነከየ ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተራእየ ክልተ ዓይነት ኣንበጣ፡ ብውሁድ ጻዕሪ ናይ ኩሎም ኣካላትን ሓይልታት ምክልኻልን፡ ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓለ ተገሊጹ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ዘመናዊ ቆፎ፡ ብዋግኡ ዝሓሰረን ብቐሊሉ ዝዳሎን ጋብላዊ ቆፎ ክድፋኣሉ፡ ጻህያይ እናሳዕረረ ይኸይድ ስለዘሎ ናይ ምቁጽጻሩ ስራሕ ክሕይል፡ ምጥቃም ጸረ-ባልዕ ንምርባሕ ንህብን ምህርቲ መዓርን ዘይጸሉ ክኸውን፡ ሕጽረት ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ፍታሕ ክናደየሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዝሃቦ መዛዘሚ ቃል፡ ንኡስ – ውሁድ መደብ ስድራቤታዊ ሕርሻ ወትሩ ክስራሓሉ ብምዝኽኻር፡ ካብ ምፍዋስ ማይ-ክዖ ዝጅምር ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ዕዮ፡ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ንምምዕባል ምሩጻት ኣዝርእቲ ብዝምልከት ድማ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ ብምርምር ዝሓለፉ ምሩጻት ኣዝርእቲ ናብ ሓረስቶት ተዘርጊሖም እቶታውነት የሰስኑ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ 2020 እቲ ናይ ምርምርን ምብዛሕን ዕማም ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories