ኣብ 2019፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ብውህደት ኩለን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ብዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን መዳያት ዕዉት መደባት ምትግባሩ – ምምሕዳር ዞባ ደቡብ፡ ብ14ን 15ን ጥሪ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፣ ምጽጋን ጽርግያታትን ራህያታትን፣ ከምኡ’ውን ምዅዓት ዒላታትን ካልእን ሰፋሕቲ ወፈራታት ከምእተኻየደ ኣረዲኡ።

ዘራእቲ ካብ ጸያቕ ማዕጺድን ወራር ኣንበጣን ንምድሓን፡ ብምውህሃድ መኸተ ልምዓት፡ ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ ተመሃሮን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝተዓመ ስራሕ’ውን ዕዉት ምንባሩ ዝሓበረ ኣቶ ሃብተኣብ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ስለዝተወስደ፡ ኣብ ዘራእቲ ኰነ መገሃጫታት ጉድኣት ከየውረደ ንምቁጽጻሩ ከምእተኻእለ ገሊጹ።

ኣቶ ሃብተኣብ፡ ኣበርክቶ ኮም ኣብ ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ኣብ ጥዕናዊ ንጥፈታት ዝነኣድ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምትብባዕ መማህራን፡ ምህናጽ ተወሰኽቲ ክፍልታት፡ ምስራሕ መጸበዪ ነብሰ-ጾራትን መጸገኒ መሳለጥያታት ሕክምናን ዝውዕል ደገፍ ከምእተገብረ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ እቶት ሕርሻ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ ብ17.7 ሚእታዊት ዕብየት ከም ዘመዝገበ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ዘሎ ዋሕዲ ትካላት ጥዕና መፍትሒ ክርከበሉ፣ ዋና ዘይብሎም ኣኽላባት ክውገኑ፡ ብከላ ኣከባቢ ዘስዕቡ ጐሓፋት ግቡእ ቁጽጽርን ምሕደራን ክግበረሎም. . . ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ፡ ፍርያት ሕርሻ ብሓፈሻ – ጸባ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ክብ ንምባል፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝለዓለ ከም ዝስራሓሉ፣ ኣብ ዘይምቹእ ኣጻድፍ ዝነብር ህዝቢ፡ ናብ ዝሓሸን ብቐረባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብ ዝረኽበሉን ቦታ ንምግዓዙ ዝሕግዝ መጽናዕቲ ከምዝግበር ተገሊጹ።

Categories