ሚኒስትሪ ዜና፡ ብ16 ጥሪ 2020፡ ዓመታዊ ኣኼባ ብምክያድ፡ ኣብ 2019 ዝተሰላሰለ ስራሕን ውጽኢቱን፡ ከምኡ’ውን ብድሆታቱን ሕጽረታቱን ብምግምጋም፡ ን2020 ኣብ ዝተሓንጸጸ ውጥን ሰራሕ ዘትዩ።

ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም፡ ኣብ 2019፡ ኣብ መሃንድስነት፡ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ፡ ምምሕዳርን ፋይናንስን፡ ከምኡ’ውን ብሬድዮን ቴለቪዥንን፡ ጋዜጣታትን ዌብሳይትን ዝተሰላሰለ ዕማማት ብምግላጽ፡ እወታዊ ጎድኑን ብልጫታቱን፡ ከምኡ’ውን ዝነበሮ ብድሆታትን ሕጽረታትን ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ዝቐረበ ገምጋም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ መደባት ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ቴለቪዥን ናይ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቐትሪ ፈነወ ዜናን መደብ ትንታነ ዜናን ምትእትታዉ፡ ኣብ ሬድዮን ቴለቪዥንን መደባት ምዝንጋዕ ንምሕያል ዝተወስደ ተበግሶታት፡ ፍሉይ ኣጋጣሚታት፡ ከም ሃገራውን ሃይማኖታዊን በዓላትን ዲፕሎማሲያዊ ፍጻመታትን ንምንጽባራቕ ዝተዓመ ስራሕ፡ ዓበይቲ ልምዓታዊ ስርሓት ንምንጽባራቕ ዝተዳለወ መደባት፡ ኣበርክቶ መሻርኽቲ ትካላት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እናሓየለ ምምጽኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተገብረ ኣተኵሮ፡ ብእወታ ዝጥቀስ ምዕባለታት ምንባሩ ተገሊጹ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባት 2020፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ቻይናዊ ትካልን ብዝተኣትወ ውዕል ትግባረኡ ዝጅምር – ፕሮጀክት ምስግጋር ናብ ዲጂታል ፈነወ (Digital migration) ምዃኑ ዝጠቐሰ ሚኒስተር የማነ፡ እዚ ፕሮጀክት’ዚ፡ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ኣናሎግ ፈነወ ናብ ዲጂታል ብምቕያር፡ ሃገራዊ ዓቕሚ ፈነወታት ሬድዮን ቴለቪዥንን ብስፍሓቱን ዓይነቱን ክብ ዘብል ምዃኑ ኣረዲኡ። ምስዚ ፕሮጀክት’ዚ ተኣሳሲሩ ድማ፡ ዓቕሚ-ሰብ ናይ ምስልጣን ሰፊሕ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ብዘይካ’ዚ፡ መደባት ማዕከናት ዜና ንምምሕያሽን ንምሕያልን ዝተታሕዙ ካልኦት መደባት ኣብቲ ውጥን ብዝርዝር ቀሪቦም።

ተሳተፍቲ፡ ነቲ ዝቐረበ ገምጋምን መጻኢ ውጥን ስራሕን ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም።

Categories