ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ – ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ሰዓት 11፡30 ቅድሚ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቡ – ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ኣብ’ቲ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ቀዳማይ ርክብ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድስ ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ዓሚቚ ዘተ ኣካዪዶም።

ኤርትራን ሶማልያን፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ካብ ዝኽትማ ንደሓር፡ ዝምድናአን ዓቢ ዝላ ከምዘርኣየ ድማ ተገንዚቦም።

ስሉሳዊ ዝምድና ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ዝምልከት – ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጽቡቕ ይግስግስ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ ንክልተኣዊ ዝምድናን ስሉሳዊ ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ንዞባዊ ውህደት ክገብርዎ ዝጸንሑ ጻዕሪ ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ተሰማሚዖም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብዛዕባ ምዕባለታት ሶማል ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ኣብ ሶማል – ሰላም፡ ርግኣትን ምዕባለን ንምስፋን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ንቕድሚት ይስጒም እኳ እንተሎ፡ ሶማል ምሉእ ብምሉእ ብክልተ እግራ ደው እትብለሉ ደረጃ ክትበጽሕ ግና፡ እቲ ጻዕሪ ክቕጽል፡ ምህናጽ ሃገራዊ ትካላት – ኣውራ ድማ ናይ ምክልኻልን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ዳግመምሕዋይ ቁጠባን ትሕተ-ቅርጽን ብዝለዓለ ክስራሓሉ፣ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምውቃዕ ከኣ፡ ክልቲአን ሃገራት ክገብራኦ ዝጸንሓ ጻዕሪ ብዓጸፌታ ከሐይላኦ ተሰማሚዖም።

ኩሎም ኣዕሩኽን መሻርኽትን ሶማል፡ ብመሰረት ሶማላውያን ዝሰርዕዎ ቀዳምነታት፡ ሶማላዊ ትካላትን ሃገራዊ ዓቕሚን ዘደልድል ምትሕግጋዝ ክገብሩ ድማ ጸዊዖም።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ስለ’ቲ ኤርትራ ንሶማል እትገብሮ ዘላ ኣብ ድልዱል ታሪኻዊ ምሕዝነት ዝተሰረተ ምትሕግጋዝ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ሰብ-መዚ ኤርትራን ሶማልያን ተሰንዩ፡ ከባቢ ‘ሰይ-ድሺ’ በጺሑ።

ፕረዚደንት መሓመድ፡ ኣብ ወርሓት ሓምለን መስከረምን 2018፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን፡ ብ13ን 14ን ታሕሳስ 2018 ኣብ ሞቓዲሾ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካዪዱ እዩ።

Categories