ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ሳላ ጽፉፍ ቅድመ-ምድላዋትን ልዑል ምውህሃድን፡ ዕዉት ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ከም እተኻየደ ተሓቢሩ።

እቲ ወፍሪ፡ ኣብ ክልተ ገጻት ተኸፋፊሉ ከምእተኻየደ ዝሓበረ – ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ መደብ ነርስ ኣብርሃም በይን፡ ኣብ ግዜኡን በቲ ዝግባእ ጽፈትን ከምእተሰላሰለን፡ 34 ሽሕ ህዝቢ ከምእተኸትበን ገሊጹ።

እቲ ስራሕ፡ ኣብ 7 ትካላት ጥዕና፡ 46 ግዝያዊ ነቑጣታትን 56 ኣብያተትምህርትን ከምእተሳለጠ እውን ኣረዲኡ።

ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ክታበት፡ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ 6 ሽሕ ህጻናት ቫይታሚን ‘ኤ’ ከምእተዓደሉ ተፈሊጡ።

Categories