ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ 2019 – ጽጉማት ስድራቤታት ንምሕጋዝ ዝተሰላሰለ መደብ፡ ኣብ መነባብሮ እተን ስድራቤታት እወታዊ ተራ ከምእተጻወተ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ተገሊጹ።

ግዝያዊ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ዮሴፍ ፍስሃየ፡ 64 ጽጉማት ስድራቤታት ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ብጥሪት ከምእተጣየሳ፡ 400 ጽጉማት ተመሃሮ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ከም እተገብረሎም፡ 30 ጽጉማት ደቂ-ኣንስትዮ ሞያዊ ስልጠና ከም እተዋህበን ሓቢሩ።

ኣቶ ዮሴፍ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ እውን፡ ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ኣበርክቶ ክገብሩ ዝኽእሉ ሓገዛት ክቕጽሉ ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ እቲ ብውልቅን ትካላትን ስድራስዉኣት ንምሕጋዝ ዝግበር ምድግጋፋት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories