ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብምትሕብባር ህዝብን ኣካላት መንግስትን፡ ኣብ 2019 – ብ18 ሚልዮን ናቕፋ 11 ፕሮጀክትታት ቀረብ ማይ ከምእተሃንጸ፡ ብ6 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ንኡሳን ዞባታትን ዞባን ዝተሳተፍዎ ገምጋም፡ ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ማይ ዞባ ደቡብ ኣቶ ክብሮም ምስግና ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ዓድታት ሓበናት፡ ሰምዲ፡ ዞኻሉ፡ ሳሎዳ፡ ዓዲ-ባዕከል፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ማእለውያ፡ ሽሓ፡ ክሳድ-ዳዕሮን ቤት-ትምህርቲ ሳንጆርጆን ዝተሰላሰለ ፕሮጀክትታት – ኣገልግሎቱ ዝጀመረ ክኸውን እንከሎ፡ ፕሮጀክትታት ወቐርቲን ዓዲ-ፈለስትን ድማ፡ ስራሓቱ ይቕጽል ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝተፈላለያ ገጠራት ንልዕሊ 20 ሽሕ ህዝቢ ዘገልግላ 40 ብናይ ኢድ ፖምፓ፡ ሽዱሽተ ብጸሓያዊ ጸዓት፡ ክልተ ድማ ብሓይሊ ኤለክትሪክ ዝሰርሓ ትካላት ቀረብ ማይ እውን ከምእተጸገና – ዝሓበረ ኣቶ ክብሮም፡ ሕጽረት መቀያየሪ ኣቑሑ ቀንዲ ማሕንቖ ኮይኑ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ኣብ 2020፡ ኣብ 9 ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝርከባ 26 ዓድታት – ፕሮጀክትታት ቀረብ ማይ ንምውዳድ ተመዲቡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ተቐማጦ’ተን ዓድታት ነቲ ስራሕ ንምዕዋት ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጼን፡ ምምሕዳር ዞባ – ሕጽረታት ናይ’ቲ ጨንፈር ዝፍተሓሉን፡ ኣባላት ስልጠና ዝረኽቡሉን መዳያት ክናደ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories