ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ መበል 20 ዓመታዊ ሃገራዊ ፈስቲቫሎም ከካይዱ እንከለዉ፡ ኣብ ስቶክሆልም – ሽወደን ድማ ‘ዙር ብድሆ’ ተኻዪዱ።

ብመሰረት’ዚ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ መሃርን ኣዘናጋዕን ትሕዝቶታት ዝሓቘፈ ፈስቲቫል – ካብ 3 ክሳብ 5 ጥሪ ኣብ ከተማ መልበርን ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝመጹ ኤርትራውያንን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት መንጠሪ ባይታ ዝኾኑ መሰረታት ከምእተሰላሰሉ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ዓመት፡ ብዓጸፋ ስራሕ ዕብየት ሃገርና ንምርግጋጽ፡ ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ተበጋጊሱ ስለዘሎ፡ ኣበርክቶ ኩሉ ዜጋ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

“ዕብየትና ውሑስ ዝኸውን፡ ምስ ጐረባብትናን ዞባናን ርጉእን ሰላማውን ዝምድና ምስ ዝህልወና እዩ” ዝበለ ኣቶ መሓሪ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጽምዶታትን ሽርክናን ብምእታው፡ ምስ ብዙሓት ሃገራትን ትካላትን ንሓባራዊ ረብሓ ዕቱብ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ ብስእላዊ ምርኢት፡ ንብሄራትና ብዘንጸባርቕ ምርኢት ኣልባሳትን ትልሂትን፡ ከምኡ’ውን ንታሪኽ ሓርነታዊ ቃልስና ብዝገልጽ ሙዚቃዊ ድራማን ካልእ ባህላዊ መደባትን ደሚቑ ነይሩ።

ኣብ ሽወደን ድማ፡ ሙዚቃዊ መሰናድኦ ዝሓቘፈ – ‘ዙር ብድሆ’፡ ብ4 ጥሪ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብውዕዉዕ መንፈስ ከምእተኻየደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories