ጽርግያ ተሰነይ-ኦምሓጀር፡ ናብ ደረጃ ቅጥራን ንምምዕባሉ፡ ብሃገራዊ ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት – ስራሕ ከም እተጀመረ፡ ኣብ’ቲ ኩባንያ ሓላፊ ፕሮጀክት ዞባ ጋሽባርካ ኣቶ ያቆብ ወልደሃይማኖት ሓቢሩ።

እቲ ኩባንያ፡ ኣብ’ዚ 110 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ብክራማት ንዝተባላሸወ ክፋላቱ ክጽግን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መፋርቕ 2019 ነቲ ስራሕ ናይ መወዳእታ መልክዑ ንምትሓዝ – ብምሉእ ዓቕሚ ተበጊሱ ከምዘሎ፡ ኣቶ ያቆብ ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ዝህነጽ ዘሎ ጽርግያ ጎድኑ 10 ሜትሮ ምዃኑ፡ ብጠቕላላ 65 ንኣሽቱን ማእከሎትን ድንድላት ክህነጹሉ ምዃኖም፡ እኹል ዓቕሚሰብን ማሽነርን ተዋፊሩ ከምዘሎ እውን ኣብሪሁ።

ነቲ ስራሕ ዝመርሕ ዘሎ ኢንጂነር ሓሰን ማሕሙድ ብወገኑ፡ እቲ መስመር ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ ህዝቢ ዘለዎ ኣገዳስነት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ኣገልግሎት’ቲ ጽርግያ ዝውዕል ሓመድን ጸጸርን ኣብ ቀረባ ምርካቦም፡ ንኣሳልጦ’ቲ ስራሕ ሓጋዚ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ሓቢሩ።

ጠለባት ጆያ ንምምላእ ‘ክረሸር’ ተተኺላ ንጥፈታታ ተሰላስል ምህላዋ፡ መዓልታዊ ክሳብ 50 ሜተር ኪዩብ ጆያ ከም እተፍሪ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ – ኣርባዕተ ዓይነታት ጆያ ይፈሪ ከምዘሎ ገሊጹ።

Categories