ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ደቡብ፡ ኣብ መዳይ ባህሊ ናይ 5 ዓመት ስትራተጂያዊ ውጥን ብምንጻር – ኣብ ምብግጋስ ከምዝርከብ፡ ብ8 ጥሪ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ።

ኣብ መደባት ባህሊ፡ ኪንዮ ምምዕራግ በዓላት፡ ኣብ ምሕያል ባህላዊ ንጥፈታት ኣገዳሲ ግደ ንምጽዋት፡ ዘሎ ድኻማትን ብልጫታትን ብምልላይ – ብዝለዓለ ክስራሕ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ዞባ ዘለዉ ክኢላታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምድህሳስ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት ዝተዋፈሩ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ኲዕታ ቅርሲ ዘለዎም ኣፍልጦን ተመውሮን ንምዕባይ፡ ምስ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ብምርድዳእ ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ።

ስፖርት ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ 2019 ብፈደረሽናት ዝተወጠኑ መደባት ብምሉኦም ከምእተተግበሩ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስፖርት ንምዕዛዝ ዝተዓመ ስርሓት ድማ፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ንጥፈታት ባህሊን ስፖርትን ብዘይ ዕዙዝ ተሳትፎን ኣበርክቶን ህዝቢ ክምዕብል ስለዘይክእል፡ ጐድኒጐድኒ’ቲ ብኣካላት መንግስቲ ዝግበር ኣበርክቶ፡ ህዝቢ’ውን ጸጋታቱ ኣጐሳጒሱን ኣወሃሂዱን ንዕብየት ባህልን ስፖርትን ተበግሶታቱ ከሐይል ኣዘኻኺሩ።

Categories