ኩባንያ መጐዓዝያ ሓራት፡ ኣብ መስመር ተሰነይ-ኣዲባራ ኣውቶቡስ ብምምዳብ – ኣገልግሎት ከምዝጀመረ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ሓላፊ ኦፐሬሽን ኩባንያ ሓራት ኣቶ ንጉሰ ገብረዝጊኣብሄር፡ እቲ ኣገልግሎት መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ 47 ኪሎ-ሜተር መስመር ዝሕተት ክፍሊት፡ 15 ናቕፋ ጥራይ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ፡ ህዝቢ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቱ ክሽገር፡ ኣደዳ ዘይርትዓዊ ክፍሊት ክኸውን ምጽንሑ ብምሕባር፡ እዛ ኣውቶቡስ ነቲ ሽግር ከምእተቃልሎ እምነቱ ገሊጹ።

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣዲባራ፡ ብነኣሽቱ መካይንን ሎሪን ክሳብ ተሰነይ 60 ናቕፋ እናኸፈሉ ይጐዓዙ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

Categories