ኤርትራ፡ ብ9ን 10ን ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ – ኬንያ ኣብ ዝተቓንዐ 9ይ ዋዕላ መራሕቲ ውድብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካሪብያንን ፓሲፊክንን ተሳቲፋ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም ዝተመርሐን ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኣብ ብራስለስ ኣቶ ሚኪኤል ተስፋይ ዝርከቦን ልኡኽ ተሳቲፉ።

እቲ ዋዕላ፡ ኣብ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ፡ ምዕሩይ ምሕደራ፡ ሰላምን ጸጥታን፡ ምምካት ግብረ-ሽበራ፡ ምሕደራ ጸጋታት ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ንጡፍ ሓድሕዳዊ ንግዲ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተ ኣካዪዱን፡ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኡን።

ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ውድብ ዝምርሓሉ መትከላትን ዓንቀጻትን ዝሓዘ ብ“ስምምዕ ጆርጅ ታውን” ዝፍለጥ ውዕል፡ ንመበል 21 ክፍለ-ዘመን ብዘንጸባርቕን ኣብ ዓለምና ዘሎ ፖለቲካውን ቊጠባውን ምዕባለታት ምልውዋጥ ሚዛንን ኣብ ግምት ዘእተወ ምምሕያሻትን ክለሳን ብምጽዳቕ፡ ካብ 2016 ዘካየዶም ስራሓት ገምጊሙ።

ኣምባሳደር በየነ ርእሶም፡ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ንዝህሉ ኣብ ምሕዝነትን ሽርክነትን ዝተሰረተ ንጥፈታት ልዑል ተገዳስነትን ጠመተን ከምዘለዋን፡ መርገጺኣ ኣብ ህንጸት ሃገርን ቁጠባዊ ምዕባለን ዘነጽር መግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣምባሳደር በየነ፡ ንሰለስተ ዓመታት ፕረዚደንት ባይቶ ናይ’ቲ ውድብ ኮይኑ ንዝተመርጸ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን፡ ንሓድሽ ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣምባሳደር ግዮርጊስ ፒንቶቺኮቲ “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ኣባል ሃገራት ተሳትፎአን ብምሕያል፡ ዓመታዊ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ኣብ ግዜኡ ከማልኣ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ቤልጅዩም ዝመደበሩን ኣብ 1975 ዝተመስረተን ውድብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካሪብያንን ፓስፊክን፡ 79 ሃገራት ዝሓቁፍ ወድብ እዩ።

Categories