ኤርትራ፡ ኣብ መበል 40 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሚኒስተራት ውድብ ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ – ኮሜሳ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ምርኢት መንእሰያት ተሳቲፋ።

ኣብ’ቲ ካብ 25 ክሳብ 28 ሕዳር ኣብ ሉሳካ – ዛምብያ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብኣምባሳደር በየነ ርእሶም ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተሳቲፉ።

እቲ ልዕሊ 300 ቀወምቲ ወከልቲ 21 ኣባል ሃገራትን ክኢላታትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ውህደት ዞባዊ መደባትን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለን ገምጊሙን፡ ናይ 2020 መደብ ስራሕ ሓንጺጹን።

ኣምባሳደር በየነ ርእሶም፡ ብቤትምኽሪ ዋኒን ኮሜሳ ኣብ ዝተዳለወ ንንግድን ወፍርን ዘላሊ መጽሓፍ፡ ዘይሓላፍነታዊ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ንምስሊ ኤርትራ ብኣሉታ ዝጸሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝሓዘን ትሕዝቶ ብምስፋሩ፡ ወግዓዊ ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ትካል ድማ፡ ብቓልን ጽሑፍን ይቕረታ ሓቲቱሉ።

ካብ 12 ከተማታት ኢጣልያ ዝመጹ ኣካየድቲ ኤርትራውያን ማሕበራውያን ሓይልታትን ውዳበታትን ድማ፡ ብ7ን 8ን ታሕሳስ፡ ኣብ ከተማ ኣልባኣድሪያቲካ መንፈቓዊ ገምጋም ስራሕ ኣካዪዶም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ምዕባለታት ዞባናን መግለጺ ሂቡ።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባ፡ “ሓድነትና ፍረ ዓወትና” ብዝብል ቴማ፡ ብ8 ታሕሳስ ራብዓይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ኣስታት 250 ወከልቲ ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ነፍሲወከፍ ዜጋ ንምሕያል ማሕበረ-ኮሙ ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ።

ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣብ ግብጺ፡ ብ9 ታሕሳስ ብኮለጅ ሚድያ ናይ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ኣብ ዝተዳለወ ባህላዊ ምርኢት ተሳቲፎም።

እቲ ምርኢት፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጸጋታት ቱሪዝም፡ ንባህልን መንነትን ኤርትራ ዝገልጽ ኢደ ስርሓት፡ ባህላዊ ኣልባሳት ብሄራትና፡ ከምኡ’ውን ባህላዊ ደርፍታትን ትልሂትን ዝሓቘፈ እዩ።

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኣቡዳቢን ዱበይን – ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ጸምቢለን።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድዑመር፡ ሃማደኤ – ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ንመሰላን ክብራን ብዝተወደበ ኣገባብ ክትቃለስ ሰፊሕ ባይታ ዝፈጠረ፡ ዓቢ ታሪኻዊ ምዕራፍ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories