ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ትሑት ተሳትፎ ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብኣሉታ ይጸሉ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑስማን ዓረፋ፡ ብዛዕባ’ዚ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣነባበርቲ ዓድን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ‘ማልካ’ ዝርአ ዘሎ ምንቊልቋል ተሳታፍነት፡ ጠንቅታቱ ብግቡእ ተለልዩ ቅልጡፍ ፍታሕ ክርከበሉ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣይሮማለ ኣብ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ መባእታ ‘ኡምለ’ ግን፡ እቲ ተሳትፎ ዕብየት ከም ዘመዝገበ ተገሊጹ።

ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ሳልሕ መሓመድ-ዓሊ፡ ህይወት ነበርቲ ሰብኽ-ሳግማዊ ምስ ምዃኑ – ቅድም ክብል እኳ ጸገም እንተነበረ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ናይ ምጥርናፍ ሕቶ ይምለስ ብምህላዉ ግን፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ኣረዲኡ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ ኣይሮማለ ኣቶ ሳልሕ ኢብራሂም፡ ኩሉ ነባሪ ተጠቃሚ ናይ’ቲ ተቐሪቡ ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክኸውን፡ እተን ጌና ዘይተጠርነፋ ዓድታት – ኣብ ማእከላይ ቦታ ክጥርነፋ ጸዊዑ።

Categories