ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ – ምምሕዳር ከባቢ ዓደብዛገ፡ ነባሪ ቃቕብዳ – ኣቶ ዮሴፍ ወልዳይ፡ ኣብ 2014 ብውሑድ ዓቕሚ ዝጀመሮ ንጥፈታት ምግራብ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ሎሚ ንሓያሎ ኣብነት ክኸውን ከምዝበቕዐ ተሓቢሩ።

“ተበግሶ፡ ጻዕሪን ዘይምሕላልን እዩ ነይሩ ኣጽዋረይ” ዝበለ ኣቶ ዮሴፍ፡ ንዓወቱን ነዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተውዎ ብዙሓት ምንባሮም፡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ጉልበቱን ገንዘቡን ኣወሃሂዱ ንሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ምዝላይን ምጅራፍን ኣትኲሩ ከምዝሰርሐን፡ ኣብ 2017 – ኣብ 2 ሄክታር ልዕሊ 7 ሽሕ ኣግራብ ቀላሚጦስ፡ ግራዋ፡ ጋባ፡ በረበረ-ጸሊም፡ ጌሶ፡ ዒቃን ካልእን ፈልሲታት ብምትካል፡ ባዲሙ ዝነበረ መሬት ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ ሓምላይ ከምዝቐየሮን ተፈሊጡ።

ጐድኒ-ጐድኒ ዓወቱ ብድሆ እውን ከምዝነበሮ ዝጠቐሰ ኣቶ ዮሴፍ፡ እኹል ምንጪ ማይ ከምዘይነበሮ፡ ስለ’ዚ ድማ፡ ልዕሊ ፍርቂ ኪሎ-ሜተር እናተጓዕዘን ብጅርባ ካብ ዲጋ ብድሆ እናጓረተን ኣግራቡ የስቲ ምንባሩ ገሊጹ። ከም ውጽኢቱ፡ ብ15 ግንቦት 2018 ኣብ ዝተዘከረት ሃገራዊ መዓልቲ ምግራብ፡ “ኣብነታዊ ገራቢ” ተባሂሉ ከምእተሸለመ ድማ ኣረዲኡ።

ኣቶ ዮሴፍ ብዘይካ’ዚ፡ ልዕሊ 36 ባህላውን ዘመናውን ቆፎታት ብምውዳድ፡ ንህቢ ከራብሕ ከምእተበገሰን፡ ድሮ ምህርቲ ክሓፍስ ከምዝጀመረን ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ብዛገ ኣቶ ገብረሂወት ገብረዝጊኣብሄር፡ “ኣቶ ዮሴፍ ወልዳይ፡ ንከባቢኡ ብስርሑን ውጽኢት ስርሑን ዝለወጠ ኣብነታዊ ዜጋ እዩ” ክብል ገሊጽዎ።

Categories