ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ሃብቲ ገረብ ንምዕቃብ ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ተርእዮ ብርሰት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ከምዝጐደለ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ምቁጽጻር ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ተኽላይ ፍስሃየ፡ ኣብ 2019 ብርሰት ኣግራብ ንምቁጽጻር – ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ፡ ጽዑቕ ጐስጓሳት ስለዝተኻየደ፡ ብህዝቢ ዝተመርጹ ሓለዋ ኣግራብ ዕቱብ ምክትታል ስለዝገበሩ፡ ኣግራብ ንዝቘርጹ ተሪር መቕጻዕቲ ስለዝብየነሎም፡ እቲ ኣሰካፊ ኣንፈት ሒዙ ዝነበረ ተርእዮ፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ክወርድ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

እተን ቀጻሊ ብርሰት ክረኣየለን ዝጸንሐ ምምሕዳራት ከባቢ ዓድ-ኣረይ፡ ሸበቕን ዓድዑመርን፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዝርከባ ጠቒሱ ድማ፡ ኣባላት ሓለዋ ገረብን ሚኒስትሪ ሕርሻን፡ ቤት-ጽሕፈት ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊትን ምምሕዳራትን ንዘርእይዎ ዕቱብነት ሞጒሱ።

ምምሕዳራት ከባቢ ኣሸራ፡ ግላስ፡ እንጭናቕ፡ ፋና፡ ኢዳምር፡ ሓሽሻይን ባዶብን ካብተን ኣብ ምግታእ ብርሰት ኣግራብ ጽቡቕ ስራሕ ዝተግበራ ምዃነን ዝሓበረ ኣቶ ተኽላይ፡ ኣብ’ተን ቀንዲ ብርሰት ዝረኣየለን ከባቢታት ሓጋዝ፡ ኣወንጀሊ፡ ዓድ-ንሱርን ዓድፋካይን፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ዕቱብ ስጒምቲታት ክውሰድ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories