ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ኣቶ ፍትዊ ገብረመስቀል፡ ኣብ ምጥርናፍ ቁሸታት ብዕቱብ ክስራሕ ኣዘኻኺሩ።

ብ5 ታሕሳስ ኣብ ሓውሲ ከተማ ዓሪታይ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ወከልቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ዕድመኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ቈልዑ ናብ ትምህርቲ ምልኣኽ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ምጽጋን ጽርግያ ከረን-ሃበሮ ናይ ማሽነሪ ሓገዝ ክግበር፡ ናይ ኣንቡላንስ ሕጽረት ክፍታሕ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ዘለወን ዓድታት ኣቓልቦ ክግበረለን፡ መእለዪ ውሕጅ ፕሮጀክት ፊዛ ክጽገን፡ ዝብሉ ለበዋታት ሓሊፎም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ብተመሳሳሊ፡ ነበርቲ ባክናፍ፡ ተጠርኒፎም ተረባሕቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክኾኑ ዘለዎም ድልውነት ብምግላጽ፡ እቲ መደብ ክቀላጠፈሎም ምስ ኣመሓዳሪ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ ሓቲቶም።

ደቆም ክመሃሩ ናብ ደናንሎ፡ ነፍሰ-ጾራትን ውጹዓትን ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ናብ ዓዲ-ቐይሕን ፎሮን ከምዝለኣኹ ብምሕባር፡ ካብዚ ንምግልጋል ኣብ ማእከላይ ቦታ ክጥርነፉ ድሉዋት ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ደናንሎ እትርከብ ባክናፍ፡ ብሸውዓተ ንኣሽቱ ቁሸታት ዝቘመት ኮይና፡ ብማሕረስን መጓሰን ዝናበራ 300 ስድራ-ቤታት ኣለዋኣ።

Categories