ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ድሒሮም ዝነቐጹ ዘራእቲ – ብፍላይ ድማ ጣፍ ኣብ ቆፎኡ ንምእታው ሰፊሕ ስራሓት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ካብ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ።

ዛጊት፡ ብተሳትፎ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ተመሃሮ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ህዝብን ብዝተኻየደ ወፈራዊ ስራሓት፡ ኣብ 12 ሽሕ ሄክታር ዝነበረ ኣእካል ከምእተኣከበ ተፈሊጡ።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣብ 26 ዓድታት ዝነብራ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ስድራ-ቤታት፡ ኣብ መንበሪ ኣባይተን ዓይኒ-ምድሪ ብምስራሕ ንጽህና ከባቢአን ከምዘውሓሳ ተገሊጹ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ሲራክ ደባስ፡ እዚ – ውጽኢት ናይ’ቲ ብሰፊሑ ክካየድ ዝጸንሐ ስሩዕ ጐስጓሳት ምዃኑ ብምሕባር፡ ንዝተራእየ ህዝባዊ ተሳትፎ ንኢዱ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ሓላፊ ከባብያዊ ጽሬት ኣቶ መሓመድ መሓመድ-ሳልሕ ድማ፡ ብሃገር ደረጃ ልዑል ኣድህቦ ተዋሂቡዎ ዝስራሓሉ ዘሎ መደባት ከባብያዊ ጽሬት፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማትን ምውሓስ ጥዕናን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣረዲኡ። ንዝያዳ ውጽኢት፡ ሰብሞያ ጥዕና ዝህብዎ ምኽሪ ብግቡእ ክትግበር ድማ መኺሩ።

እቲ መደብ፡ ተሪፈን ኣብ ዘለዋ 9 ምምሕዳራት ከባቢ እውን ብግቡእ ንኽሰላሰል ይስራሓሉ ከምዘሎ ዝጠቐሰ – ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም፡ ኣብ ግዜኡ ንኽፍጸም፡ ህዝቢ ምትሕብባሩ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories