ካብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ኣብ ውሱን ከባቢታት ዞባታት ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ፡ ብልዑል ውህደት ሞያውያን ሕርሻ፡ ምምሕዳራት፡ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ብምእታዉ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ወርሓዊት መጽሔቱ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ሞጒሱ።

እቲ ካብ 13 ክሳብ 16 ሕዳር ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡሳን ዞባታት ጸሮና፡ ሰገነይቲ፡ ማይ-ዓይኒን ሰንዓፈን ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ – ናይ ኣግራብ፣ ካብ 19 ክሳብ 22 ሕዳር ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡሳን ዞባታት ጊንዳዕ፡ ባጽዕን ፎሮን ዝተራእየ ድማ ናይ ምድረ-በዳ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

እንተኾነ ሕጂ’ውን፡ ስግኣት ካብ ኢትዮጵያ ናይ ዝሳግም ሓድሽ ወራር ኣንበጣ፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተቐንጠጠ ዝሓበረ ኣሃዱ ምቁጽጻር ሳገምቲ ባልዓት ናይ’ቲ ሚኒስትሪ፡ ነቲ ተኽእሎ ቀጻሊ ኰለላታት ብምክያድ ዕቱብ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኤርትራ ካብ’ተን ንምጽፋይ ኣንበጣ ምቹኣት ዝበሃላ ሃገራት ክትከውን እንከላ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ክረምቲ፡ ገለ ክፋላት ምዕራባዊ መታሕት ድማ ኣብ ሓጋይ – ኣንበጣ ዝጸፍየሉ ከባቢታት እዩ።

Categories