ኣብ ዞባ ማእከል፡ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምስፋሕ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ነቲ ዓውዲ ብዝምልከት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተዋህበ ስልጠና ተገሊጹ።

እቲ ብምትሕብባር ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከልን ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ ሮራን ዝተወደበን፡ ንዝምልከቶም ኣካላት ንምምልላይ ዝዓለመን – ትምህርቲ፡ ውጽኢትን ብቕዓትን ትምህርቲ ክብ ኣብ ምባል እውን ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ተገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ሓላፊ ኣሃዱ ምርምር፡ ውጥንን ስልጠናን ኣቶ ማቴዎስ ስብሃትለኣብ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ዲጂታላዊ ላይብረርን ኣገልግሎት ኦድዮ-ቪዥዋልን ዘተኰረ ምንባሩ ኣረዲኡ።

እዚ፡ ብድምጽን ተንቀሳቓሲ ስእልን ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ገለ ኣብያተትምህርቲ ኣተኣታትየናኦ ከምዘለዋ፡ ካብ ጥሪ 2020 ንደሓር ግን፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክተኣታቶ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር፡ ተመሃሮ ብሓገዝ ቴክኖሎጂ እናሰምዑን እናረኣዩን ከም ዝመሃሩ ምግባር፡ ኣብ ውጽኢት ተመሃሮ ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልትታት ዝተወሃበ ትምህርቲ፡ ኣስታት 600 ናይ ካልኣይን ማእከላይን ደረጃ መማህራን ተሳቲፎም።

Categories