ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ኣብ ጢዖ፡ ዕዲን በይሉልን ምስ ዝርከባ ማሕበራት ተራድኦ ገፍፍቲ ዓሳ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ንምሕያለን ዝግበር ምትብባዓትን ምድግጋፍን ብግቡእ ክጥቀማሉ ጸዊዑ።

ዝሓለፈ ዓመታት – ስልጠናታት ከምእተዋህበን ንዋታዊ ሓገዛት ከምእተገብረን፡ ሕጂ ድማ ናይ ልቓሕ መደባት ከምእተጀመረ ብምዝኽኻር፡ ልቓሕ ኣብ እዋኑ ንምምላስ ዕቱባት ክኾኑ ተላብዩ።

ሃብቲ ባሕሪ ብግቡእ ንምምዝማዝ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ተወጢኖም ምህላዎም፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝእከብ ንቑጽ ዓሳ መጽለልን መኽዘንን ዘጠቓልል ህንጻታት ንምስራሕ መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ልቓሕን ተራድኦን መንእሰይ ኢብራሂም ሳልሕ፡ ኣብ’ቲ ዞባ 32 ማሕበራት ተራድኦ ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘለዋ ገሊጹ።

Categories