ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱን ሎጎዓንሰባን፡ ተሳታፍነትን ኣበርክቶን ህዝቢ ኣብ ልምዓታውን ትሕተቅርጻውን ንጥፈታት ንምድንፋዕ፡ ብ3ን 5ን ታሕሳስ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ርክባት ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማዕረ-ማዕረ’ቲ መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ዓበይቲ መደባት ልምዓትን ህንጸትን፡ ህዝቢ እውን በብከባቢኡ ተወዲቡ ከሰላስሎ ዝጸንሐ ንጥፈታት – ካብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ብዝሓየለ ኣወዳድባ ንምሓዙ ምድላዋት ክጻፈፍ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ኣተኵሮ ዝወሃቦም ስራሓት ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምግራብ፡ ምጽጋን ጽርግያታት፡ ምፍዋስ ማይ ምትካኽ ሽጋራ . . . ተሰነይ – ኣብ’ቲ ጽቡቕ ‘ጽቡቕ’ ኣሎ ዓለም በይነይ ኣእምሮ ደቂ-ተባዕትዮን … ክዖታት፡ ምድንፋዕ ምንጪታት ማይ፡ ምጽጋን ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምሕያል መደባት ከባብያዊ ጽሬት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ኣብርሃ፡ ኣብ ትግባረኦም ተሳታፍነት ህዝብን መሓውራት መንግስትን ክዓዝዝ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ብመገዲ ኣካላት መንግስቲ ጠመተ ክግብረሎም ዝበሉዎም – ጉዳይ ቀረብ ናውትን ካልኦት መሳለጥያታትን ኣቕሪቦም።

ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ እቶም ዝቐረቡ ጉዳያት መምስ ዝምልከተን ትካላት መንግስቲ ብምልዛብ ንምፍታሖም ጻዕሪ ክግበር ምዃኑ ገሊጹ።

Categories