ኩሉመዳያዊ ብቕዓት ደቂ-ኣንስትዮ ንምዕባይ ዝካየድ ጻዕሪ ብዝለዓለ ክስራሕ ምዃኑ፡ ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ብ5ን 6ን ታሕሳስ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።

ሓላፊት ጨንፈር ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ሰናይት ኣፈወርቂ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ብሓፈሻ 47 ሚእታዊት በጺሑ ዘሎ ተሳታፍነት ተመሃሮ ደቂኣንስትዮ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ 2ይ ደረጃ፡ ናብ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ንምዕባዩ፡ ከምኡ’ውን ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ሳዕቤናት ሃሳዪ ልምድታት ንምግልጋል፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ንቕሓት ደቂኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ዓቕሚን ንቕሓትን ደቂ-ኣንስትዮ ዘዕቢ ሞያዊ ስልጠናታት፡ ምግታእ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ክሽቦን፡ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ተጠቃምነት መጸበዪ ነፍሰጾራትን ዘተኰረ ስልጠናታትን ጎስጓሳትን ከምእተኻየደ ድማ ገሊጻ።

ተሳተፍቲ፡ ብሓለፍቲ ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ብመንጽር ብልጫታቱን ሕጽረታቱን ድሕሪ ዘካየድኦ ዘተ፡ ጉዳይ ተጠቃምነት መሬት ሕርሻ ቈላሕታ ክግበረሉ፡ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ንምድንፋዕ ብውህደት ክስራሕ፡ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊታት ዘዕብዩ ስልጠናታት ድማ ቀጻልነት ክወሃቦም ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪበን።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብኣብ ተስፋጼን ድማ፡ ሃማደኤ ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ውዳበታትን ኣበርክቶን ደቂ-ኣንስትዮ ንምሕያል ዘካይድኦ ስርሓት ብመጽናዕቲ ዝተደገፈን ኣብ ምሕያል ዓቕሚ ካድረታት ዘተኰረ ክኸውንን ብምዝኽኻር፡ ከምኡ’ውን መደባቱ ንምዕዋት ምስ መሻርኽቲ ብዕቱብ ክሰርሕ ኣተሓሳሲቡ።

Categories