ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ዝተሰላሰለ ንጥፈታት ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ርእሳነመማህራንን ሱፐርቫይዘራትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተገምጊሙ።

ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ሓደራ ተስፋማርያም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ 50 ነቑጣታት ከምዝጀመረ፡ እንተኾነ – እተን 41 ጥራይ ግቡእ ኣገልግሎት ከምዝሃባ ገሊጹ።

ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ካብ ዝተመዝገባ 1325 ደቂ-ኣንስትዮ፡ እተን 1015 ትምህርተን ተኸታቲለን ክዛዝማ እንከለዋ፡ 310 ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዘቋረጻ እውን ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ክብሮም ገብረመድህን፡ ተሳታፍነት ኣብ መደብ ትምህርቲ ይንኪ ምህላዉ ብምሕባር፡ ምስ ኩሎም ኣካላት ብምትሕብባር ጽዑቕ ጐስጓሳት ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ሌተና ኮሎኔል ኣብርሃም ሃይለ ድማ፡ ርእሳነመማህራን ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ እናተረዳድኡ ብዝሓየለ ክሰርሑሉ ኣተሓሳሲቡ።

Categories