ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዓውደ-መጽናዕቲ ‘ስትራተጂያዊ ውጥን ጽላት ጥዕና’ ተዛዚሙ ስትራተጂያዊ ውጥን ምዕባለ ጽላት ጥዕናን፡ ሃገራዊ ውጥን ትግባረ ውሕስነት ጥዕናን፡ ንሰለስተ ምዓልትታት ዝተመያየጠ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ብ5 ታሕሳስ ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ዝተታሕዙ መደባት፡ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ዓመታት ዝተመዝገበ ገስጋስ፡ ከምኡ’ውን ክሳብ 2021 ክብጽሑ መደብ ዝተታሕዘሎም ሸቶታት ብዝርዝር ተዘትዩሎም።

ነፍሲ-ወከፍ ዞባ፡ ብመሰረት ስትራተጂያዊ ውጥን ምዕባለ ጽላት ጥዕናን ሃገራዊ ውጥን ትግባረ ውሕስነት ጥዕናን ዝዓመመቶም ስራሓት፡ ብመንጽር ዝተቐመጠ ዕላማን ዘጋጠመ ብድሆታትን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣቕሪባ።

ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንምትግባር ዝተጀመረ ጉዕዞ ሰለስተ ዓመታት ተላዒሉሉ ከምዘሎ፡ ኣብ’ዚ ዓመታት ዝተሰላሰለ ስራሕ ድማ ዘተባብዕ ምዃኑ ዝሓበረት ሚኒስተር ኣሚና ኑርሑሴን፡ ኣብ ምንካይ ሞት ኣደታት፡ ሞት ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናት፡ ከምኡ’ውን መልከፍቲ ዓሶ፡ ኤች.ኣይ.ቪን ቲቢን ተመዝጊቡ ንዘሎ ዓወት ከም ኣብነት ገሊጻ።

እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ጽላት ጥዕና ዝተመዝገበ ዓወታት፡ ገና ዘይተበጽሐ ሸቶታትን ዘሎ ብድሆታትን ኣነጺሩ ከምዘርኣዮም ዝሓበሩ ኤሪና ዝተወከሰቶም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ነቶም ብመሰረት’ቲ ስትራተጂካዊ ውጥን ክብጽሑ ኣለዎም ዝተባህሉ መደባት ንምስማር፡ ዝያዳ ኣተኵሮ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ኣገንዚቦም።

Categories