ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ስትራተጂ ገስጋስ ንምዕባለ ትምህርቲን፡ ኣገልግሎት ቅድመ-ትምህርትን፡ ብ4ን 5ን ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ዓውደ-ዘተ ኣቃኒዑ።

ወኪል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ እቲ መደብ፡ ምስ’ቲ መንግስቲ ዝሰርሓሉ ዘሎ ፖሊሲታት ሸቶታት ንዘላቒ ምዕባለ ተኣሳሲሩ፡ ብዘይተበታተኸ መንገዲ ንምትግባሩ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ወኪል ዩኒሰፍ – ሚስ ሻሂን ኒሎፈር ድማ፡ ኣብ ዓለምና ኣስታት 175 ሚልዮን ህጻናት ዕድል ቅድመ-ትምህርቲ ከምዘይረኽቡ፡ እዚ ማለት – ኣብ’ተን ትሑት ቁጠባ ዘለወን ሃገራት 8 ካብ 10 ቈልዑ ካብዚ ዕድል’ዚ ዝተሓረሙ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ዩኒሰፍ – ኤርትራ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ኣበጊሳቶ ኣብ ዘላ ዕቱብ መደብ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ገሊጻ።

ተሳተፍቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ’ቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ንክስራሓሉ ዝተዳለወ ስትራተጂያዊ ሰነዳት ብዕምቈት ዘትዮም።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ ተበጊሱ ዘሎ ውጥናትን ክብጻሕ ዝድለ ሸቶታትን፡ ኣብ መስርሕ ከጋጥሙ ኣብ ዝኽእሉ ብድሆታት፡ ተመኵሮ ክቕሰመሎም ዘለዎም ዝተሓልፉ መስርሓት፡ ተበጊሶም ዘለዉ መደባት ምስ ዝጸንሐ ትምህርታዊ ኣሰራርሓ ኣብ ምውህሃድ ድማ፡ ሓጋዚ ሓሳባት ኣቕሪቦም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብን ሓላፊት ኣሃዱ ቅድመ-ትምህርቲ ወይዘሮ ኣበባ ሃብቶምን ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕተት፡ እቲ ዕላማ፡ ኣብ 2022 ኣገልግሎት ቅድመ-ትምህርቲ ብ30 ሚእታዊት ንምዕባዩን ብዓይነት ንምልዋጡን፡ ከምኡ’ውን ዝጸንሐ ትምህርታዊ ገስጋስ ብውሁድን ውዱብን መንገዲ ንምዕዋቱ ከምዝኾነ ገሊጾም።

እቲ ሰነዳት፡ ካብ ኩለን ዞባታት ዝመጹ ኣባላት ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ኣካላትን ብዘቕረብዎ ርእይቶታትን ሓሳባትን ሃብቲሙ፡ ኣብ 2020 ንስራሕ ክብገስ ምዃኑ ተፈሊጡ።

Categories