ሊድያ ተኽለማርያም

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ4ን 5ን ታሕሳስ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ደንደን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ወረቐት ስራሕ 29 ኣምባሳደራት ተቐቢሉ።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዕለት ወረቐት ስራሖም ዘረከቡ ኣምባሳደራት፡ ኣምባሳደር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ፡ ኣምባሳደር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን፡ ኣምባሳደር ዓባይ-ብሪጣንያ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ህንዲ፡ ኣምባሳደር ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ስሎቫክያ፡ ኣምባሳደር ንግስነት ቤልጅዩም፡ ኣምባሳደር ፈደራላዊት ረፓብሊክ ናይጀርያ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ሰርብያ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ጊኒ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ኡጋንዳ፡ ኣምባሳደር ሮማንያ፡ ኣምባሳደር ኦስትርያ፡ ኣምባሳደር ፖላንድን ኣምባሳደር ኣየርላንድን እዮም።

ኣብቲ ካልኣይ መዓልቲ ድማ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ኢንዶኔዥያ፡ ኣምባሳደር ካናዳ፡ ኣምባሳደር ፊንላንድ፡ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ቸክ፡ ኣምባሳደር ስጳኛ፡ ኣምባሳደር ሽወደን፡

ኣምባሳደር ፊሊፒንስ፡ ኣምባሳደር ሩዋንዳ፡ ኣምባሳደር ግሪኽ፡ ኣምባሳደር ብራዚልን ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ቬነዝዌላን ወረቐት ስራሖም ኣቕሪቦም።

ቀዋሚ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን፡ ወረቐቱ ኣብ ዘረከበሉ፡ ኩሉ-መዳያዊ ክልተኣዊ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ክምዕብልን፡ ኣብ ዞባና ሰፊኑ ዘሎ ናይ ሰላም፡ ርግኣትን ምትሕግጋዝን መድረኽ ንምድንፋዕ ክልቲአን ሃገራት ብዝለዓለ ክደፍኣሉን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

ወረቐት ስራሕ ኣምባሳደር ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ሰቕር ሱሌማን ኣልቑረሺ ኣብ ዝተቐበለሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ናህሪ ዝምድና ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን ዝምጐስ ኣንፈት ሒዙ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ከይተሓጽራ፡ ንርግኣትን ሰላምን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዝለዓለ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር ሰቕር ሱሌማን ብወገኑ፡ ዝምድናታት ስዑድያን ኤርትራን ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ይጐዓዝ ምህላዉ፡ ረብሓኡ ድማ ኪንዮ ክልቲአን ሃገራት ከምዝኸይድ ብምጥቃስ፡ ቅሩብነት ሃገሩ ንዝለዓለ ምትሕብባር ኣረጋጊጹ።

ኣምባሳደር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ሚስተር ገርላድ ዎልፍ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ብምዃና፡ ንርግኣትን ሰላምን ናይ’ቲ ዞባ ዓቢ ኣበርክቶ ክትገብር ከምእትኽእል ገሊጹ።

“እቲ እንኮ ንህዝብታት ዞባና ዘድሊ፡ ሰላምን ርግኣትን’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ካብ ምትሕግጋዝን ሓቢርካ ምንባርን ካልእ ኣማራጺ ከምዘየለ ብምእማን፡ ብሰንኪ ግዳማዊ ምትእታው ዝተፈጥረ ህውከት ኣብቂዑ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምስማር፡ ብሓባር ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ከተማዕብል ድሌት ከምዘለዋ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዓባይ-ብሪጣንያ ሚስተር ኣላስድየር ዎከር፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ኤርትራ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪን ተመዝግቦ ዘላ ዓወታትን – ንፕሮጀክትታት ምውህላል ጸጋታት ማይን ጸሓያዊ ጸዓትን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ገሊጹ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዘተኰረ ምትሕብባር ክህሉ ብወገን ሃገሩ ንዘሎ ቅሩብነት ድማ ኣረጋጊጹ።

ጉዳይ ምምካት ክሊማዊ ለውጢ ብሰፊሕ መልክዑ ክጥመት ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ምቕሉል ኣበርክቶኣ ክትገብር ዘለዋ ቅሩብነት ብምግላጽ፡ እቲ ኣተኵሮ ኣብ ተተግባርን ተጨባጥን ፕሮጀክትታት ክኸውን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ናይ ፈለማ ቀዋሚ ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ህንዲ ብምዃኑ፡ ዓቢ ሓጐስ ከምዝስመዖ ዝገለጸ ሚስተር ሱብሃሽ ቻንድ ብወገኑ፡ ሃገሩ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንዝግበር ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዘለዋ ድሌትን ቅሩብነትን ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ፡ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ምስ ህንዲ ኣርባሒ ዝምድና ከተማዕብል ከምዝግባኣ ብምሕባር፡ ኤርትራ ምስ ህንዲ ጀሚራቶ ዘላ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ – ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚሰብን ካልእ ጽላታትን ከተስፍሖን ከተዕብዮን ከምእትደሊ ኣነጺሩ።

ኤርትራ ኣብ ምድንፋዕ ዞባዊ ውህደት ትገብሮ ንዘላ ኣበርክቶ ዘመጐሰ ኣምባሳደር ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ጋቦር ኢክሎዲ ብወገኑ፡ ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም መዳያት ምትሕብባሮም ቀጻሊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዞባዊ ምዕባለታት ግቡእ መረዳእታ ሃልይዎ፡ ናይ ስራሕ ዝምድናታት ንምዕዛዝ ብዝለዓለ ክሰርሓሉ ብምዝኽኻር፡ መደባትን ቀዳምነታትን ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውህደት ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ግብጺ ሚስተር ሻዲ ጀማል-ኤልዲን ኤል-ሻርቓዊ፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝርከብ ዝምድና ኤርትራን ግብጽን፡ ቀጻልነቱ ንምውሓስን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምምዕባሉን፡ ሃገሩ ብዝሓየለ ከምእትሰርሓሉ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ናይ ግብጺ ቦታ ብደረጃ ዞባን ዓለምን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ግቡእ ተራኣ ክትጻወት ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ – ሚስተር ፐርሰርቨራንስ ምቡዘሊ ኩምሻ ድማ፡ ካብ ቅድሚ ናጽነት ዝጅምር ዝምድና ኤርትራን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምምዕባል፡ ኣብ ጽላታት ቊጠባ፡ ትምህርትን ባህልን ናይ ምትሕግጋዝን ምልውዋጥ ተመኲሮን ድንድል ክንጸፍ፡ ሃገሩ ዘለዋ ድሌትን ድሉውነትን ገሊጹ።

እቶም ናይ ስራሕ ወረቐቶም ዘረከቡ ኣምባሳደራት፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ድሕሪ ምምናይ፡ ዝምድናታት ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንምምዕባልን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ንምስፋሕን ንምድልዳልን ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

Categories