ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ምስ ማእከል ክሊማዊ ትንቢትን ትግባረን ዞባዊ በይነ-መንግስታዊ በዓል-ስልጣን ንልምዓት (ICPAC) ብምትሕብባር ዝወደቦ – ኣብ ኣከባብያዊ ቁጽጽር ከምኡ’ውን ምክልኻልን ምድህሳስን ኣከባብያዊ ሓደጋታት ዘተኰረ ንሽድሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ስልጠና – ብ30 ሕዳር ተዛዚሙ።

ኣብ’ዚ ኣከባብያዊ ሓደጋታት ንምፍላጥን ንምቁጽጻርን፡ ቴክኖሎጂካዊ ሓበሬታ ንምልውዋጥ፡ ከምኡ’ውን ዓቕሚ-ሰብ ንምምዕባል ዝሕግዝ ስልጠና፡ ካብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ምስ’ቲ ሞያ ብቐጥታ ምትእስሳር ዘለወን መንግስታውያን ትካላት ዝመጹ 42 ሰባት ተሳቲፎም።

ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ መደብ ኣቶ ኣማን ሳልሕ፡ ተሳተፍቲ ናይ’ዚ ክመጽእ ንዝኽእል ሓደጋታት ብቅድመ ምድላዋት ንምብዳሁ ወይ ንምቅላሉ ዝዓለመ ትምህርቲ፡ ኣፍልጦኦም ብምዕባይ ንሕቶ ኣከባቢ ኣብ እዋኑ ንምምላስ ጸላዊ ኣበርክቶ ክህልዎም እምነቱ ገሊጹ።

ኣወሃሃዲ ምሕደራ ሓደጋ ኣብ ዞባዊ በይነ-መንግስታዊ በዓል-ስልጣን ንልምዓት (IGAD) ኣቶ ክፍለማርያም ስብሃቱ ድማ፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብግቡእ ተጠቒሞም ንሓደጋታት ዝተቓልዓ ከባቢታት ሃገርና ኣብ ምጽናዕን ቅድመምድላዋት ኣብ ምጽፋፍን ካብኦም ዝሕተት ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ተላብዩ።

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ስልጠንቲ ናብ ትካላቶም ምስ ተመልሱ፡ ንዝቐሰምዎ ፍልጠት ብግብሪ ክሰርሑሉን ንመሳርሕቶም ከካፍሉን ብምልባው፡ ኣብ መጻኢ እውን፡ ናብ ምምዕባል ዓቕሚ መንእሰያት ዝቐንዐ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ክውደብ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories