ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ1 ታሕሳስ ብምክትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ንዝተመርሐ ልኡኽ ሱዳን፡ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

እቲ ርክብ፡ ኣብ ሕቶ ውሕስነት ሰላም ሱዳን ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ብረታዊ ቃልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ጉጅለታትን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላምን ገስጋሱን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ነይሩ።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፡ ብዛዕባ’ቲ መስርሕ ሰላምን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ደገፍ ኤርትራ ኣብ ምዕዋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

“ጉዳይ ሱዳን ዘላቒን ነባርን ፍታሕ ዝረክብ፡ ብሱዳናውያን ጥራይ እዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ሱዳንን ሃገራውያን ትካላቱን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ብዛዕባ ዘለዎም ዓቕሚን ብቕዓትን ከምዝተኣማመን፡ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ኣብ ምርግጋጽ ማዕርነት ኩሎም ዜጋታት ሱዳን ከምዝምርኰስ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ፡ ኣጠማምታ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምስፋን ሰላም ሱዳን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኤርትራ ብኩነታት ሱዳን እትጽሎን እትጸሉን ሓቀኛ መሻርኽቲ ህዝቢ ሱዳን ብምዃና፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ሱዳን ዝግብኦም ተራ ክጻወቱ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ፡ ኣጠማምታ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምስፋን ሰላም ሱዳን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኤርትራ ብኩነታት ሱዳን እትጽሎን እትጸሉን ሓቀኛ መሻርኽቲ ህዝቢ ሱዳን ብምዃና፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ሱዳን ዝግብኦም ተራ ክጻወቱ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ሱዳን – ኣባላት ልኡላዊ ባይቶ ሌተና ጀነራል ያስር ዓብዱራሕማን ኣልዓጣን ኣሰይዳ ረጃእ ኒኮላን ከምኡ’ውን ሚኒስተር ባህልን ዜናን ኣቶ ፈይሰል መሓመድ-ሳልሕ፣ ብወገን ኤርትራ ድማ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories