ካብ 15 ክሳብ 30 ሕዳር ክካየድ ዝተመደበ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺን ዕደላ ቫይታሚን ‘ኤ’ን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ብጽቡቕ ከምእተሰላሰለ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ትካላት ጥዕና ነርስ መርሃዊ ሓድጉ፡ ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ፡ 59 ዓድታትን 21 ኣብያተ-ትምህርቲን ነቚጣታት ብምኽፋት፡ ከምኡ’ውን 21 ተንቀሳቐስቲ ጉጅለታት ብምውዳብ፡ እቲ መደብ ብኣድማዕነት ከምእተተግበረ ሓቢሩ።

ኩነታት ክሊማን ጂኦግራፊያዊ ኣቃውማን ናይ’ቲ ከባቢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ጐስጓሳትን እቲ ወፍሪ ኣብ ክልተ እብረ ምክያዱን፡ ኣብ ጽፈትን ስሉጥነትን ናይ’ቲ መደብ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ኣረዲኡ።

ነርስ መርሃዊ፡ ዘይተኸትበ ሰብ ንኸይተርፍ – ሞያውያን ጥዕና ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ሞጒሱ።

Categories