ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል፡ ንኣብነታውያን ገረብቲ ውልቀ-ሰባት፡ ዓድታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን መንግስታውያንን ሃይማኖታውያንን ትካላት ኣተባቢዑ።

ብ28 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ እቶም ኣብነታውያን ገረብቲ – ወረቐት ምስክር፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መብራህቲ፡ ብሽክለታታትን ናውቲ ሕርሻን ተዓዲሎም።

ወኪል’ቲ ክፍሊ ኣቶ ኣስራት ሃይለ፡ ወፍሪ ዳግመ-ምግራብ ኣብ 2006 ካብ ዝብገስ ንደሓር፡ ዓመት-ዓመት ኣብ ምግራብን ምስኡ ዝተሓሓዝ ንጥፈትታትን ኣብነታዊ ስራሕ ንዝፈጸሙ መተባብዒ ክወሃብ ምጽንሑ ገሊጹ። እቶም ኣብነታውያን፡ ዝተኸልዎ ኣግራብ ግቡእ ክንክን ክግበረሉ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ወኪል በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም ተኽሉ፡ ብውልቀ ይኹን ብደረጃ ኮም፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ምምስራት ሓምላይ ክለባትን ምስራሕ ቆጣቢ-ጸዓት እቶንን ብሰፊሕ ክካየድ ጸዊዑ።

እቶም ኣብነታውያን ገረብቲ፡ እቲ ዝተዋህቦም መተባብዒ ዝያዳ ንክሰርሑ ድርኺት ዝፈጥረሎም ምዃኑ ገሊጾም።

Categories