ኣህጉራዊ መዓልቲ ኤይድስ – 1 ታሕሳስ፡ “ተራ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪ ይዕዘዝ” ብዝብል ቴማ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ኣወሃሃዲት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ 30 ሕዳር ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ 1988 ካብ ዝተራእየ ናይ ፈለማ ሕሙም ጀሚሩ፡ ሕማም ኤይድስን ንሱ ዘስዕቦ ሞትን ንምንካይን ንምቁጽጻርን፡ ልዑል ኣቓልቦ ተዋሂቡ ክስራሓሉ ምጽንሑ፡ ተመዝጊቡ ዘሎ ብቐሊል ዘይጥመት ዓወት ድማ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሓድሽ መልከፍቲ ይኹን ብሰንኪ ኤይድስ ዝስዕብ ሞትን ተነጽሎን ናብ ዜሮ ንምውራድ ግን ገና ውሁድ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ 2030 ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዜሮ ምውራድ ሓደ ካብ መብጽዓታት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ምዃኑ ዝገለጸት ኣወሃሃዲት ቤት-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ ብወገና፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማም ብዘካየደቶ ሓያል ስራሕ፡ መጠን መልከፍቲ ናብ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ከምዝጐደለ፡ ንቕሓት ወለንታዊ መርመራ ድማ ኣዝዩ ከምዝበረኸ ብምጥቃስ፡ እዚ ዓቢ ዝላ’ዚ ንኻልኦት ሃገራት ኣብነት ከምዝኸውን ገሊጻ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ተቘጻጸሪት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ኤች.ኣይ.ቪ/ ኤይድስን ሲስተር ንግስቲ ተስፋሚካኤል ኣብ ዘቕረበቶ ብስእልን ኣሃዛትን ዝተሰነየ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ብሓፈሻ ብ87 ሚእታዊት ከምዝነከየ፡ ኣብ 2003 ኣስታት 2.1 ሚእታዊት ዝነበረ መጠን መልከፍቲ ካብ 15 ክሳብ 24 ዝዕድሚአን ነብሰ-ጾራት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ 0.28 ከምዝወረደ ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን ብወገና፡ ንሕማም ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ኣብ ኤርትራ ብርኡይ ከንቈልቁል ዝገበሮ ምኽንያት፡ ሓባራዊ ጻዕሪ ሚኒስትሪ ጥዕናን መሻርኽትን፡ ከምኡ’ውን ግዳያት ዝገበሩዎ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ዓወት ዘዛኒ ስለዘይኮነ፡ እቲ ሕማም ጨሪሱ ክሳብ ዝጠፍእ ኩሉ ተርኡ ክጻወት ኣዘኻኺራ።

ኣብ ዓለም ልዕሊ 37 ሚልዮን ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ዝነብሩ ሰባት ክህልዉ እንከለዉ፡ ክሳብ መወዳእታ 2018 ልዕሊ 32 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝሞቱ፡ ጸብጻብ ዓለማዊ ወድብ ጥዕና የነጽር።

Categories