ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ ድሕነት ትራፊክን ምክልኻል ገበናትን – ንተመሃሮ፡ ወለድን ኮማዊ ፖሊስን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ሓላፊ ምክልኻል ገበን ምክትል ተለንተ ገብረትንሳኤ ብርሃነ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምሕያል ርክብ ህዝብን ፖሊስን፡ ምቅላዕ ገበነኛታትን ፈጸምቲ በደልን፡ ኣተኣላልያን ኣተሓሕዛን ግጉያት ትሕቲ-ዕድመ፡ ዕላማ ኮማዊ ፖሊስ፡ ከምኡ’ውን ምዕቃብን ምውርራስን ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰብ ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ ተርእዮ ገበናትን በዳላትን ከምኡ’ውን ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ከምዝነከየ ብምሕባር፡ እቶም ዘጋጠሙ ጥሕሰታት – ትምህርቲ ብዘቋረጹ መንእሰያት ከምእተፈጸሙ ገሊጹ። ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኣብ ጐድኒ ፖሊስ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ድማ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ ገበን ተሪር መቕጻዕቲ ክወሃብ፡ ስድራ-ቤታት ባህሪያት ደቆም ፈሊጦም ብኣጋ ከማእዝንዎም ተላብዮም።

Categories