ገዲም ተጋዳላይ ገብረየውሃንስ ገብረሚካኤል፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሕምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ23 ሕዳር ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ገብረየውሃንስ፡ ክሳብ ዕለተናጽነት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍልታት ውድብን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ድሕሪናጽነት መጀመርያ ኣብ ክፍሊ ኢንዱስትሪ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት 1997 ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ድማ ኣብ ኩባንያ ህንጻ ሰገን ከም ሓላፊ ፋብሪካ ‘ሳጋራጋ’ ኮይኑ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ገብረየውሃንስ ገብረሚካኤል፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ውላድን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ገብረየውሃንስ፡ ሎሚ 27 ሕዳር ፍርቂ-መዓልቲ ኣብ መካነ መቃብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ኩባንያ ህንጻ ሰገን ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ገብረየውሃንስ ገብረሚካኤል ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories