ብ19 ሕዳር ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ጎላጉል ጋሕቴላይ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ሓይልታት ምክልኻልን ምምሕዳራት ዞባን ንኡስ ዞባን ብምትሕብባር ብዘካየዱዎ ጻዕሪ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ።

ኣብ’ቲ ዞባ ሓላፊ ልምዓት ብቚልን ኣወሃሃዲ ምክልኻል ኣንበጣን ኣቶ ተስፊት ገረዝግሄር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሃንደበት ኣብ ከባቢ ሰባርጉማ፡ ያንጉስን ባዓረዛን ዝሓደረ ኣስታት 615 ሄክታር ዝሸፈነ ክሳብ 80 ሚልዮን ብዝሒ ዝነበሮ ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ዘድሊ ዓቕሚሰብን መሳርሒታትን ብምውፋር ንዝዓበየ ክፋሉ ድሕሪ ምቕታል፡ ነቲ ዝነፈረ ኣብ ዘዕረፈሉ እናርከበ ብተመሳሳሊ መንገዲ ከምዘጥፈኦ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ኣድማዒ ዕማም፡ ኣርባዕተ መድሃኒት ዝነጽጋ ማካይንን ብርክት ዝበለ ዓቕሚ-ሰብን ከምእተሳተፈ ዝገለጸ ኣቶ ተስፊት፡ ኤርትራ ስግኣት ወራር ኣንበጣ ኣብ ዘለዎ ዞባ ስለእትርከብ፡ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝጽፈ ከይነፈረ እንከሎ ከምእትቈጻጸሮ ብምጥቃስ፡ ጐራባብቲ ሃገራት ንኸም’ዚ ዝበለ ናይ ሓባር ጸላኢ ብውህደት ክቃለስኦ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ኣንበጣ ኣብ ከባቢታት ወንጎቦን እንጌልዒላን ሓሓሊፉ ክርአ ምጽንሑ ዝጠቕሱ ክኢላታት ሕርሻ ብወገኖም፡ እዚ ሃንደበት ዝተራእየ ኣንበጣ ምድረበዳ ኣብ ከበሳን ቆላን ብማዕረ ከቢድ ዕንወት ከኸትል ዝኽእል ብምዃኑ፡ ሕብረተ-ሰብ ብፍላይ ድማ ሓረስቶት ምንቅስቓስ ኣንበጣ ምስ ዝርእዩ ንዝምልከቶ ኣካል ብእዋኑ ሓበሬታ ክህቡን ግራውቶም ብዝግባእ ክከታተሉን፡ ከምኡ’ውን ናብ’ቲ መድሃኒት ዝተነጽጎ ከባቢታት ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት ጥሪቶም ከየውፍሩ መኺሮም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ ብወገኑ፡ ንተራ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ’ቲ ወፍሪ ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጊንዳዕ፡ ፎሮ፡ ሽዕብ፡ ባጽዕን ቅሮራን ዝናብ ገና ይሃርም ስለዘሎ፡ ዳግማይ ተርእዮ ኣንበጣ ከየጋጥም ጽዑቕ ምክትታል ክካየድ ኣተሓሳሲቡ።

ኣቐዲሙ ኣብ ውሱን ከባቢታት ዞባ ደቡብ ዝተራእየ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ዕስለታት ኣንበጣ፡ ብውሁድ ስራሕ ኣብ ሓጺር መዓልታት ከምዝጠፍአ ዝዝከር እዩ።

Categories