ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ምስ ማእከል ክሊማዊ ትንቢትን ትግባረን ዞባዊ በይነ-መንግስታዊ በዓል-ስልጣን ንልምዓት (ICPAC) ብምትሕብባር፡ ኣብ ኣከባብያዊ ቁጽጽር ከምኡ’ውን ምክልኻልን ምድህሳስን ኣከባብያዊ ሓደጋታት፡ ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ወዲቡ።

ብ25 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ፡ ኣከባቢ ንኹሉ ህይወታዊ ፍጡር ዝጸሉ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ሰልጠንቲ ዝቐስምዎ ፍልጠት ንድሕነት ኣከባቢ ብዝለዓለ ክሰርሑሉ ኣተሓሳሲቡ።

ካብ ማእከል ክሊማዊ ትንቢትን ትግባረን ዞባዊ በይነ-መንግስታዊ በዓል-ስልጣን ንልምዓት – ሚስተር ዛካሪ ኣተሩ ብወገኑ፡ ሓደጋታት ኣከባቢ ንምክልኻል ኣብ ፍልጠት ዝተሰረተ ሓባራዊ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ። እቲ ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕያል ሃገራዊ ዓቕሚን ምልላይ ቅድመ-ሓደጋታትን ክሕግዝ ድማ ትጽቢቱ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ኣብ ኣስመራ፡ ክሳብ 30 ሕዳር ዝቕጽል ስልጠና፡ ካብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቤት-ጽሕፈት ሜትሪዮሎጂ፡ ኮለጅ ስነፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ፡ ካብ በዓልመዚ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ዝተዋጽኡ 42 ሰባት ይሳተፉ ኣለዉ።

Categories