ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴን፡ ብ27 ሕዳር ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ዝተሰርሐ ከትርታት ኣብ ዝተዓዘቡሉ፡ ነበርቲ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝጀመርዎ ስራሕ ዝያዳ ክደፍኡሉ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ሰበ-ስልጣን፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ደፈረ፡ ዓደኮሎም፡ ደቄጥሮስ፡ ገረሚ፡ መቐርካ፡ ዓዜንን ኳዜንን ድሕሪ ዘካየድዎ ዑደት – ምስ ኣመሓደርቲ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣቐዲሙ ዝተሰርሐ ከትርታት ክዕቀብን ክጽገንን፡ ከምኡ’ውን ሓድሽ ክስራሕ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ጨንፈር ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ኢንጅነር ኣብርሃም ዳንኤል፡ ስራሓት ከትርታት ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ጀሚሩ ኣብ 11 ዓድታት ይሰላሰል ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብሓፈሻ 69 ከትርታት ከም እተሰርሐ ዝገለጸ ኢንጅነር ኣብርሃም፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣስታት 2 ሚልዮን ናቕፋ ከምዘውጽአ፡ ህዝቢ ድማ ጉልበታዊ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ገሊጹ።

Categories