ኣህጉራዊ መዓልቲ ቈልዑ – 20 ሕዳር፡ “ውሁድ ጻዕሪ ንምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ-ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ብክብ ዝበለ መዓርግ ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ወከልቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ቃል ሚኒስትሪ ዕዮን ማህበራዊ ድሕነትን ዘስመዐ ዋና ደይረክተር ማሕበራዊ ድሕነት፡ ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ፡ ህዝባዊ ግንባር – ኣብ’ቲ ዝጸንከረ መድረኻት ብረታዊ ቃልሲ ከይተረፈ፡ “ቀዳምነት ንቘልዑ” ካብ ዝብል መትከላዊ እምነቱ ነቒሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ድሕነቶምን ምዕቡል ኣተሓሕዛ ከምዝነበሮ ኣረዲኡ። ድሕሪ ናጽነትን ድማ፡ ኣብ’ተን ቀዳሞት ዓመታት – ኣብ ኣህጉራዊ ውዕል መሰላት ቈልዑ ክታሙ ብምንባር፡ ኩሉ መዳያት ዕብየት ቈልዑ ዘረጋግጹ ዓወታት ከም ዘመዝገበ ገሊጹ።

ወኪል ማዕከን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ኤርትራ፡ ሚስስ ሻሂን ኒሎፈር፡ እቶም ካብ ጸቕጥን መጥቃዕትን ሓራ ኮይኖም ዝዓብዩ ቈልዑ፡ ሓላፍነታውያን ዜጋታት ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ዓቢ ከምዝኾነ ኣረዲኣ።

ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ህጻናትን ቈልዑን ኣብ ድሕነቶም ብሓፈሻ፡ ኣብ ምርግጋጽ ተሳታፍነቶም ኣብ መኣዲ ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን ድማ ብኣውራኡ፡ ንዘመዝገበቶ ዝላ ከኣ፡ ብኣሃዛት ኣሰንያ ኣቕሪባቶ።

እቲ ዕለት፡ ብስእላዊ ምርኢትን ባህላዊ መሰናድኦታትን ማዕሪጉ ነይሩ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ቈልዑ፡ ኣብ ሃገርና ንመበል 28፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ንመበል 61 ግዜኣ እያ ተዘኪሩ ውዒላ።

ቅድሚ ሕጂ 8 ታሕሳስ ትዝከር ዝነበረት ኣህጉራዊ መዓልቲ ቈልዑ፡ ምስ’ቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንትግባረ ውዕል መሰላት ቈልዑ ዘጽደቐሉ 20 ሕዳር 1989 ብምትሕሓዝ፡ እታ ዕለት ከምእተቐየረት ይፍለጥ።

Categories