ኣብ ትሕቲ ዲጋ ገርሰት ዝተደኰነት መደበር ፈልሲ፡ ኣቐዲሙ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ዝነበረ ጠለብ ፈልሲታት ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ንምምላእ፡ ብውሽጣዊ ዓቕማ ክትነጥፍ ጀሚራ።

ሓላፊ’ታ መደበር መንእሰይ ኤርምያስ ዘርኣይ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኮርፖረሽን ፈልሲታት ብክቡር ዋጋ ካብ ደገ ከእቱ ከምዝጸንሐ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ኣብታ መደበር እኹል ክኢላዊ ዓቕሚ ስለዝተመደበ፡ ብመጽናዕቲ ዝተፈላለየ ፈልሲታት ይዳሎን ናብ ልምዓታዊ ከባቢታት ሃገርና ይለኣኽ ምህላዉን ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 20 ሽሕ ፈልሲታት ኣራንሺ፡ ማንጉስ፡ ለሚን፡ ፓፓዮን ደመስን ተዳልዩ ከምዘሎ፡ ብብዙሕ መለክዒታት ድማ ዝሓሸ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ኣረዲኡ።

ኣብ’ታ መደበር ክኢላ ፈልሲ መንእሰይ ናዝሬት ታደሰ፡ ብዘካይድዎ ዘለዉ ኣብ ስነፍልጠት ዝተመርኰሰ መስርሕ ምድላው ፈልስን ምውሳብን፡ ምስ ትሕዝቶ ሓመድን ክሊማን ሃገርና ዝሳነ ፈልሲታት ስለዘዳልዉ፡ ኣብ ባይታ ጽቡቕ ውጽኢት ይረአ ከምዘሎ ሓቢራ።

ረኺቦምዎ ዘለዉ ባይታ ስራሕ፡ ነቲ ኣብ ኮለጃት ብክልሰ-ሓሳብ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ናብ ግብራዊ ስራሕ ዝልውጡሉ ርሒብ ዕድል ምዃኑ፡ መንእሰይ ናዝሬት ብተወሳኺ ገሊጻ።

Categories