ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጸሮና፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ሰገነይቲ፡ ማይዓይኒን ሰንዓፈን ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ፡ ብዝተኻየደ ውሁድ ናይ ምክልኻል ስራሓት፡ ኣብ ዘራእትን መገሃጫታትን ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ደቡብ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ብቚሊ ኣቶ ሓጐስ ሃይለ፡ እቲ ዕስለ ኣንበጣ፡ ካብ 12 ክሳብ 16 ሕዳር ብንኡስ ዞባ ጸሮና ጀሚሩ ናብ ንኡሳን ዞባታት ሰንዓፈ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ማይ-ዓይኒን ሰገነይትን ከምዝለሓመ፣ ምምሕዳር ዞባ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሓይልታት ምክልኻልን ህዝብን ብዝገበሩዎ ናይ ምክልኻል ስራሕ ድማ፡ ኣብ ዘራእቲ ክዓልብ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።

ኣቐዲሙ፡ ብቑዕ ቅድመ-ምድላዋት ተገይሩ ብምጽንሑ፡ እቲ ኣንበጣ፡ ኣብ እኽሊ ይኹን ኣብ ኣግራብን ሳዕርን ሃስያ ከየውረደ ከምእተመከተ ዝሓበረ ኣቶ ሓጐስ፡ መዳውብቲ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝኾነ ከባቢታት ኢትዮጵያ ገና ስለዘይጠፍአ ግን፡ ቀጻሊ ምክትታል ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ።

ህዝቢ ሓበሬታ ኣብ ምምሕልላፍ ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ኣብ ምምካት እቲ ባልዕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ እውን ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጸሮና ኣቶ እዮብ ተስፋሚካኤል እውን፡ ህዝቢ’ቲ ንኡስ ዞባ ክገብሮ ዝጸንሐ ዕቱብ ምክትታል፡ ኣብ’ቲ ናይ ምስጓጒን ምጥፋእን ዕማም ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ ገሊጹ። ንተወፋይነት ሓይልታት ምክልኻልን ክኢላታት ሕርሻን ድማ ሞጒሱ።

Categories